ሰብ ሰለስተ ኣስማት ሒዙ እዩ ዝጎዓዝ።
ሰብ ሰለስተ ኣስማት ሒዙ እዩ ዝጎዓዝ። 1፡ ዝወረሶ ስም 2፡ ዝተዋህቦ ስም 3፡ ዝሰርሖ ስም * እዚ ኣስማት 'ዚ ነቲ ነፍሳውን ስጋውን መዳያት ጉዕዘኡ ጥራሕ ዝምልከት እዩ። 1 ዝወረሶ ስም ፦ እዚ ስም እዚ ካብ ስድራቤታዊ መበቆልን፡ መንነትን፡ ባህልን፡ ታሪኽን፡ እንዳውን፡ ብሄራውን ሱር ዘለዎ፡ ማሕበራዊ ደርብን ሃይማኖታዊ ውርሻን፡ ጾርን ወይ ሓለፍነት ዘሰክም፡ ብሓጺሩ ሕድሪ ሓደ ህዝቢ፡ እንዳ ወይ ዓሌት…
Independent Researcher
ሰብ ሰለስተ ኣስማት ሒዙ እዩ ዝጎዓዝ። 1፡ ዝወረሶ ስም 2፡ ዝተዋህቦ ስም 3፡ ዝሰርሖ ስም * እዚ ኣስማት 'ዚ ነቲ ነፍሳውን ስጋውን መዳያት ጉዕዘኡ ጥራሕ ዝምልከት እዩ። 1 ዝወረሶ ስም ፦ እዚ ስም እዚ ካብ ስድራቤታዊ መበቆልን፡ መንነትን፡ ባህልን፡ ታሪኽን፡ እንዳውን፡ ብሄራውን ሱር ዘለዎ፡ ማሕበራዊ ደርብን ሃይማኖታዊ ውርሻን፡ ጾርን ወይ ሓለፍነት ዘሰክም፡ ብሓጺሩ ሕድሪ ሓደ ህዝቢ፡ እንዳ ወይ ዓሌት ኮይኑ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ብስድራቤት ዝመሓላለፍ ኣዚዩ ብዙሕ ኣስማት እዩ ። ንኣብነት፦ "እዚ ዳሕራይ ወልዶ ደኣ ገለ እንተገበረ 'ምበር" ዝብል ኣበሃህላ ወላ ብውልቂ ኣይኩን 'ምበር፡ ሓደ ካብቶም ዝውረሱ፡ ነንዝመጸ ወለዶ ሕድርን ሓላፍነትን ዘሰክሙ ኣስማት እዩ ክበሃል ይከኣል። ካልእ ውን፦ . እዚ ነውሪ'ዩ፡ ኣይባህልናን'ዩ . . . . ንሕና እንዳ እግለ ኢና ... .ዓሌትና፡ እንዳና ኣይኮኑን . . . .ወዘተ ዝብል መሰረቱ ባህላውን ሃይማነታውን ዝኾነ ውርሻዊ ስም እዩ ወይ ኣስማት እዮም። .እዚ ስም’ዚ ሓንሳብ ማዕጾ፡ ወይ ዕድል ይዓጹ፡ ሓንሳብ ከኣ ይኸፍት ወይ ጸቕጢ ይፈጠር፡ ነቲ ሰብ ግን ኣይገልጾን’ዩ። ምኽንያቱ ሓበራዊ 'ምበር ውልቃዊ ስሙ ኣይኮነን * ቅንዑን ጌጋኡን ድማ ኣብ ሓደ ባሕላውንው ልምዳውን ሃይማነታውን ዘንቢል ኣኪቡ እዩ ዘመሓላልፍ። * ብኸፊሉ ካበይ ከምዝጀመርካ ይሕብር እዩ። ኣበይ ከም ትውድእ ግን ኣይሕብርን። እቲ ዝድለ ኣብ ሕይወት ከኣ፡ ኣበይ ትውድእ 'ምበር ኣበይ ትጅምር ኣይኮነን። 2 ዝተዋህቦ ስም፦ * እዚ እቲ ውልቃዊ ስም፡ ሰመ-ተጸውዖ እዩ፡ ግን ከኣ ነጸብራቕ እቲ ሰብ ብሕጻኑ፡ ብቆልዕኡ ብንእሱ እንከሎ ዝተለግሰሉ ምዉቕ ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ራእይ፡ ትምኒት ወይ ተስፋ እውን እዩ። * ወለዲ ንደቆም ብዕላማ እዮም ዝሰምይዎም። ጥዋፍ የብርህ ስም ይመርሕ ብዝብል ምስላ ወይ ኣበሃህላውን ነዚ ዝይድግፍ እመስለኒ። እምነት: ትብዓት: ዝኽሪ ወይ ሕልሚ፡ መጻኢ ዝገልጽ ... ኣስማት እዮም ዝሰምይዎም። * ንኣብነት፡ “ሰላም” ዝብል ስም፡ ቅሳነት፡ ህድኣት፡ ሩፈይታ ማለት እዩ። ወለዲ ኣብ ስድራቤቶም ዓዶም ወይ ሃገሮም ስኒት ንኽህሉ ዘለዎም ናፍቖትን ትምኒትን ዘንጸባርቕ ስም እዩ። • እዚ ስም እዚውን መበገሲ ጥራይ እዩ 'ምበር መወዳእታ ኣይኮነን። 3፡ ዝሰርሖ ስም፦ እዚ እቲ ሓቅ ወይ ሓቂ መንነት እቲ ሰብ'ዩ። ብባህርያቱ፡ በተሓሳስብኡ፡ ብኣበርክተኡ ዝተሃንጸን ዝተሰምየን ስም እዩ። * ስሙ ክጥቀስ ከሎ ዝለዓል/ ዝዝረብ ስም እዩ። “እሙን'ዩ፡ ተባዕ'ዩ፡ ርህሩህ እዩ፡ የዋህ እዩ። ኣብ ሓቅን ንሓቅን ደው ዝብል'ዩ፡ ሓፋር'ዩ፡፡ በንጻሩ ከኣ ተበላጺ'ዩ፡ ጨካን'ዩ፡ ዓማጺ'ዩ፡ ክፉእ'ዩ፡ ተንኮል ዝመልኦ'ዩ፡ ሳሕዳይ፡ ንዓይ ይጥዓመኒ . . . ወዘተ እዩ። * ልዕሊ እቲ ዝተወረሰን ወይ ዝተዋህበን ስም ብፍሉይ ዝገልጾ ስም እዩ። ብዓለም-ለኸ ስለ ዘይፍለጥ እቲ ዝሰርሖ ስም ተጽዕኖ ዘለዎ ኣይመስልን፥ እንተኾነ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። * እቶም ብዓለም ለኸ ዝፍለጡ፥ ከም በዓል ኔልሰን ማንዴላ ወይ ማዘር ተረዛ፡ ማርቲን ሉተር፡ ዝኣመሰሉ ሰባት እንተርኢና፡ ኣስማቶም ካብቲ ክውለዱ ከለዉ ዝነበሮ ትርጉም ስሞም ተቀይሩ ኣዝዩ ህቡብ ምልክት ትብዓትን፡ ፍትሕን ርህራሄን፡ ሓቦን ኮይኑ'ዩ። ከምኡ ንክኸውን ስለ ዝሰርሑ። በንጻሩውን ከኣ ኣስማቶም ጽዩፍ ኮይኑ ምልከት ቀተልትን፡ ዓመጽትን፡ ፍጹም ርህራሀ ዘይብሎም፡ ጨካናት ኣለዉ። እዚኦም ውን ከምኡ ክኸውን ስለዝሰርሑ። * ልክዕ ከምዞም ዝተጠቕሱ ሰባት፡ እቶም፡ብህብቡነት ዘይፍለጡውን፡ እቲ ባዕሎም ዝሰርሖ ስምውን ኣብ ፈነወ ረድዮን ፈነወ-መርኢትን (ተለቪዚዮን) ኣይኩን 'ምበር፡ ኣብ ስድራቤት፡ ኣብ ኣዕሩኹቲ፡ ኣብ መሓዙት፡ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ፡ ኣብ ስራሕ፡ ...ወዘተ ኣዚዩ ጸላዊ ተራ ዘለዎ እዩ። * እዚ “ስም” ዚ ድሕሪ ሞት ሰራሒኡውን ነባሪ'ዩ፡ ብዛዕባ ሰራሒኡ ከመይ ከምዝሰርሖ እናሓበረን እናኣዘንተወን ዝነብር ስም እዩ። ስለዚ፤ * እቲ ቀዳማይ ስም ካበይ ከምዝመጸ ዝሕብር እዩ። * እቲ ካልኣይ ስም ድማ ክኾኖ ተስፋ ዝተገበርሉ እዩ። * እቲ ሳልሳይ ስም ከኣ እንታይ ክከውን ከም ዘለዎ ዝመርጾን ዝሰርሖን እዩ። * ለቡ፥ ብርግጽ፡ ወዲሰብ ህያው መሓፍ ከምዝኾነ፡ ከይሞተ ተወዲኡ ዘይሕተም መጽሓፍ ምዃኑ ዘይፈልጡ ስለ ዘይተሳእኑ፡ ነቲ ገበር ወይ ሽፋን ጥራይ ርእዮም፣ ማለት ነቲ ውሽጢ ገጻት ሰብ ንምንባብ ኣይፈልጡን ወይውን ክዞዘቡ ግዜ ኣይወስዱን'ሞ፡ ስለዚ ብ'ባዕልነታዊ ትንታነ ብስምዒታዊ ድፍኢት፡ ካብ ሕሜታ ናብ ስያሜ ሰጊሮም፡ ባዕላዊ ስያሜ ሰምዮም፡ ብዝሰመይዎ ስያሜ * ዓው * ኢሎም ንኽጽውዕዎ ሕንኽ/ሕፍር ስለዘይብሉ ብኸፊል እንተ ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ፡ ሰብ ብዘይሰርሖ ስም ንኽስመ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። . ኣብ መስርሕ ፍትሒ ውን፡ እንተ ብተንኮል ( ብሓሶት ምስክርነት)፡ ወይ ውን ፖሊስ ብዘቕረቦ ዘእምን ሓበሬታት ፍርድቤት ጌጋ ፍርዲ ክህብ ይከኣል። * ቀተልቲ፡ ሰረቕቲ ...ተባሂሎም ብፍርድቤት ንዓመታት ተፈሪዶም ፍርዶም ወዲኦም ፡ ገለውን ድሕሪ ሞቶም እቲ ዝተፈረዶም ፍርዲ ጌጋ ከምዝነበረ ዝተነግረሎም ውሑዳት ኣይኮኑን። * ስለዚ፡ ሰብ ዝተፋላለ'የ ምዕራፋት ቃንዛን፡ ቃልስን፡ ዝተፋላለ'የ ጥበብን ክእለትን ተስፋን ተሰኪሙ ዝንቀሳቐስ ህያው መጽሓፍ ከምዝኾነ *ምፍላጥን ነቢብካ ምኽኣልን ምርዳእን* ሓላፍነትን ግዴታን ነፍሲወከፍ ሰብ ምዃኑ'ዩ።
About the author
I write papers exploring theology, philosophy, politics and society and the dialogue between faith, science, and culture.,
All work by MT Yohannes