All essays
Philosophy•01/11/2026•1 min read

ስሉሳዊ መስርሕ ፍታሕ (ፍትሒ፡ ርትዒ፡ ምሕረት)

ሓደ ኩነት ምስ ዝፍጸም፡ እቲ ፍጻሜ ኣብ ግለ-ሰብ ይኹን ወይ ኣብ ማሕበረሰብ ዘይፍትሓዊ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ብርትዓውነት ብፍትሕን ብምሕረትን እንተ ቀሪብካዮ፣ ዕውትን ጥዕና ዘለዎ ፍታሕ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ ሚኢታዊ እዩ። ምኽንያቱ፦ * ርትዒ ሓቂ የገድሶ፣ * ፍትሒ ሚዛን ይሕሉ፡ * ምሕረት ከኣ ርሕራሐ ወይ ሰብኣውነት የርእን ይገብርን። ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ ሓደ ነገር ምስዘጋጥም፥ ኣብ ፍታሕ…

MT Yohannes
MT Yohannes

Independent Researcher

Cover image for ስሉሳዊ መስርሕ ፍታሕ (ፍትሒ፡ ርትዒ፡ ምሕረት)

ሓደ ኩነት ምስ ዝፍጸም፡ እቲ ፍጻሜ ኣብ ግለ-ሰብ ይኹን ወይ ኣብ ማሕበረሰብ ዘይፍትሓዊ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ብርትዓውነት ብፍትሕን ብምሕረትን እንተ ቀሪብካዮ፣ ዕውትን ጥዕና ዘለዎ ፍታሕ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ ሚኢታዊ እዩ። ምኽንያቱ፦ * ርትዒ ሓቂ የገድሶ፣ * ፍትሒ ሚዛን ይሕሉ፡ * ምሕረት ከኣ ርሕራሐ ወይ ሰብኣውነት የርእን ይገብርን። ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ ሓደ ነገር ምስዘጋጥም፥ ኣብ ፍታሕ ንኽተምጽእ ዝኽየድ መስርሕ፥ ፈጻምን ፍጻሜን ነፍሲ ወከፍ ብተናጸል እንተተራእዩ ፥ ርትዒ፡ ፍትሒ፡ ምሕረት ግቡእን ዝበለጸ መዓላ ክህልወን ይኽእል። * ፍትሒ፡ ፈጻምን ፍጻሜን ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ምግባር ኳ እንተኾነ፡ ግን ከኣ ምስ ርትዕን ምሕረትን ብቐጥታ ተታሓሒዙ ዝኸይድ መስርሕ እዩ። * ፍትሒ፦ ሕጊ ንምኽባርን፣ ንዝተፈጸመ ፍጻሜ ተሓተቲ መን ከምዝኾነ ንምውሳን ዘገልግል መስርሕ እዩ። * ርትዒ፦ ሓቂ ንምጽራይ ብዝነጸረ ርዱእን መርትዖታት ብምቕራብ፡ መን'ዩ ቀንዲ ፈጻሚ ንምልላይ ዝግበር መስርሕ እዩ። * ምሕረት፥ እቲ ፍጻሜ ክፍጽሞ ከምዘይነበሮ፡እቲ ፈጻሚ ኣፍልጦ ክህብን፡ ብዝፈጸሞ ጣዕሳ ከርእን ክእረም ቃል ክኣቱን ዕድል ዝህብ ሰብኣዊ መስርሕ እዩ። ምሕረት ክበሃል ከሎ ግን፥ ነቲ ብሰንኪ ፍጻሜ ዝመጸ ሳዕቤን ዕሸሽ ኢልካ ምሕላፍ ማለት ዘይኮነስ፡ ሓቅነት ርትዕን፡ ሚዛን ፍትሕን፡ ካብ ዝግባእን ካብ ዓቕሚ እቲ ፈጻሚ ንላዕሊ ከይከውን ምሕላው እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ እቲ ፍጻሜ ከይድገም ምኹናን፡ እቲ ፈጻሚ ከኣ ክእረምን እዩ። ስለዚ፣ እዚን 3ተ ዓበይቲ ኣዕኑድ መሳርሕ ፍታሕ ወድዓዊ ዝኾነ ረዚን መዕለቢ ዝኸውን ፍታሕ ንምምጻእ፣ ንሓደ ጉዳይ ጠሚረን ማእዝን ኣትሒዘን መወዳእታ ምዕራፍ ከብጽሓ ይኽእላ'የን። ሓንቲ ካብዘን 3ተ ብግቡእ እንተዘይ ተጠቒምናላ ግን፡ ዝተደጎለ ሓዊ ዝጠፍአ ይመስል 'ምበር፡ ጸኒሑ ግዜ ወሲዱ ጠንቂ ክኸውንን ሳዕቤኑ ከኣ ካብቲ ቀዳማይ ዝገደደ ኽኸውን ይከኣል እዩ።

About the author

I write papers exploring theology, philosophy, politics and society and the dialogue between faith, science, and culture.,

All work by MT Yohannes

Join the discussion

Keep it kind and curious. Disagree with ideas freely, but always with respect for the person behind them. If something breaks the guidelines, use the Report button and a moderator will review it.

Comments